Abrahalle Sultan

Abrahalle Sultan är född 1991 i Engobeto, Eritrea. I april 2015 kom han till Sverige genom den långa och fruktansvärda resan via Saharas öken och Medelhavet. Och nu har han bosatt sig i Hässleholm. Han är lärare, socionom, konstnär och min Modersmålsbok för grundskolan är hans debut.

መጽሓፍ ቋንቋ ኣደይ፡ ተማሃሮ ብቐሊል መንገዲ ትግርኛ ንኽመሃሩ ክትሕግዞም ዝተዳለወት ኢያ። ኣብዛ መጽሓፍ፡ ኩሎም ፊደላት ብምጥርናፍ፡ ድሕሪ ነፍስ ወከፍ ፊደል፡ ዝተፈላለዩ ልምምዳት ናይ ቃላትን ሓጸርቲ ምሉእ ሓሳባትን ከምኡ እውን ሓጸርቲ ዛንታታት ተዳልዮም ኣለዉ። ኣብዛ መጽሓፍ፡ ተማሃሮ ብዝቐልጠፈ ግዜን ብዝቐለለ ኣገባብን ብ ቋንቋ ኣዲኦም፡ ናይ ምጽሓፍን ምንባብን ክእለቶም ንኸማዕብሉ ዝሕግዙ፡ ብስእሊ ዝተሰነዩ መላመዲታት ቀሪቦም ኣለዉ። እዚ ከኣ ተማሃሮ ቋንቋ ኣዲኦም ብዝቐለለ መንገዲ ንክመልኩ ይሕግዞም። ብሓፈሻ እዛ መጽሓፍ ተመሃሮ ብሕታውን ባህላውን ማሕበራውን መንነት ኣብ ምህናጽ ኣገዳሲ ግደ ኣለዋ። ኣብ መወዳእታ ዅሉ ሰብ ቋንቋ ኣዴኡን ባህሉን ብዝያዳ ከማዕብልን ቀጻልነቱ ከውሕስን እንተ ደልዩ ንውልዱ ቋንቋ ኣዲኦም ንኽመሃሩ ዝጽዕረሉን ዝጅምረሉን በዚ ኣጋጣሚ እዋኑን ግዜኡን ሕጂ ምዃኑ ከስምረሉ ይፈቱ።